ምስላታት፤ ኣበሃህላ፤ባህሊን ትግርኛ

  • ልቢ ኣኮስያ ወዲ ሓፍቲ ይፈልጦ
  • ሃፂፅካ ፍልሖ እንዳማርያም መኣዝ እ ትበፅሖ
  • ሓዱሽ ፍቕሪ መወድኢ እኽሊ
  • ሓዱሽ እኽሊ መዐደጊ ኩሕሊ
  • ሕሱምያ ቁርስ ምስዘይትፈትዎ የተሓቋቑፍ
  • ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣፅንዕ
  • ክልተ ዓያሹ ጋዓት ይኮላለሱ
  • ምስ ወድ-ሰላሳ ኣይትጒየምስ ወድ-ስሳ ኣይትምከር
  • ንቈልዓ ስኒንሃመማ ቁስሊኣይተርኢ
  • ወዲ ሓርበኛ ይወግእወዲ ኣረጊት የውግዕ
  • ዓርኪ ጠቢብ ቈልዓ ይበትኽዓርኪ ኣላማይ  ዘርኢ ይበትኽ
  • ወዲ መበለትምንጋህ ይፈልጥ ምብታኽ ዘረባ ዘይፈልጥ
  • ወዲ መበለትምኽታር ዘረባ እምበር ምብታሕ ዘረኣባ ኣይፈልጥን
  • ተመሊስካ እትረድኦ፡ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ
  • ተመን ስፍርኡ ምስ ዝገጊ ይመውት
  • ተመጣላዕይ ኣርሓ ኣብ መቐመጭኡ ይውጋእ
  • ተማጻራያይ ዝብኢ መዓኮር ምራኽ ይልሕስ
  • ተካሊት ዑፍ ክርም ከሪማ ጥቅምቲ ትዓውር
  • ተኸዲኑ ዝመጽእ ተቐሊዑ ይብላዕ
  • ተኹላ ከመ'ንበሳ ክትንቁ ተሰንጢቓ ሞተት
  • ተጐልቢቡ ንዝብልዕ ተጐንቢሕካ እተዎ
  • ታሪኽ ምስ ቀዳሞትን ዳሕሮትን የራኽብ (የላሊ)
  • ትኽደኖ ዘይብላ ትጉልበቦ ቃሕ ይብላትውሕጦ እንተበልኩስ ትጐስመሉ
  • ትሓድጎ እንተበልኩስ ትውስኸሉ
  • ትዕቢት መቕድም ውድቀት፡ ትሕትና መቕድም ክብረት
  • ትዕግስቲ ርእሲ ሃብቲ፡ ትምህርቲ ናይ ዘለዓለም ርስቲ
  • ትኽክል ይግበርኩም ከም ስኒ ኣድጊ፡ ይብል ሕሱም ረጋሚ
  • ነቕናቒ ከሎ ተማቲ፡ መን ጽሩይ ማይ ክሰቲ
  • ነባጉምባሕ እንተደለዩ ክበልዑዎ፡ ዛግራ ይብሉዎ
  • ነዊሕ ኦም እንዳማቱ የጽልል፡ ዓሻ ሰብ ሰቡ የቕልል
  • ነዊሕ እንተዘይጕረረ፡ ሓጺር እንተ ዘይፈከረ፡ እቲ ምተደፍረ፡ እቲ ኣይምተሓፍረ
  • ነገር ከም መልዓሊኡ፡ ስጋ ከም ጠባሲኡ
  • ነገር ዘይጸገበ ጓል ዋጣ/ሓሜን ይሕጸ
  • ነገር ብዕርቂ፡ መገዲ ብደርቂ። ነገር ብወግዒ፡ ሓዊ ብገልዒ
  • ነገር ንመሃዚኡ፡ ተመን ንተሓዚኡ፡ እሾኽ ንሓጻሪኡ
  • ነገር ኣብ ምጅማሩ፡ እኽሊ ኣብ ምዅማሩ
  • ነገር ባሕሪ ይገፍሕ ካብ ባሕሪ ነገር
  • ነገር የምጽእ፡ ድጕሪ ሓመድ የውጽእ
  • ነገር ኣጓዲኣ ትልክም፡ ታኼላ ኣታዊኣ ተስጥም
  • ነገር ብወቐሳ፡ በደል ብኻሕሳ እየን ዝዳቐሳ
  • ነገር ካብ ድልይልይ፡ ጽንሕ ይሓይሽ እልይ
  • ነገር፡ ኣበይ ደሊኻ፡ ኣብ ሃገር
  • ነገርካ ዝደለየካ፡ ርእስኻ ይተናኽየካ
  • ነጻነት የዅርዕ፡ ስራሕ የብልዕ
  • ናቡተ ርስተይ እናበለ ሞተ
  • ናቱ ዝበልዕ ዕዳ'ብሉ፡ ዝመሰሎ ዝዛረብ ነውር'ብሉ
  • ናየ'ቦኻ የናብረካ፡ ናይ ጓና የናግረካ
  • ናየ'ንጭዋ ጻዕረ ሞታ፡ ናይ ድሙ ጸወታ
  • ናይ ህበይ ንጉስ፡ ባዕሉ ይኹምር ባዕሉ የፍርስ
  • ናይ ልቡ ዝነገርካዮ፡ ዳርጋ ዝሓጐምካዮ
  • ናይ ልብኻ እንተ ዘዛርቡኻ፡ ዕዳ ዘይብልካ እንተ ዝሰዱኻ
  • ናይ ልቡ ዝገብር፡ ነዲኡ ነይነግር
  • ናይ ስጋ መወዳእታ ዓጽሚ፡ ናይ ነገር መወዳእታ ፈጽሚ
  • ናይ ቀታል ነብሲ ምልክቱ፡ ደም ኣበ'ጻብዕቱ
  • ናይ ኣፍ ኣማኒ፡ ይገብረካ ለማኒ
  • ናይ ኣናጹ ዝላ፡ ንደማሙ ጓይላ
  • ናይ ዕዳጋ ዕግርግር፡ ንሓድሕድካ የፋግር
  • ንሃላይ እንታይ ጸባሕካ ኣይትበሎ፡ ኣብ ክዳኑ ኵለሎ
  • ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፡ ንዓሻ ደርጕሓሉ ኣበይ ከይፈልጦ
  • ንሌባ እንተበልካዮ ሌባ ሌባ፡ ዝበልካዮ ይመስሎ ሉባ ሉባ
  • ንልዕሌኻ ኣኽብሮ፡ ንትሕቴኻ ዘክሮ
  • ንመኸታ ዋልታ፡ ንዘረባ ናዕታ፡
  • ንምድሪ ኣይህቡላን ስድሪ፡ ንርስቲ ይዋግኣላ'ንስቲ
  • ንሞት ፈራህካያ፡ ንምህዳም ፈራህካያ፡ ብምንታይ ደኣ'ሞ ትሓልፍ ኢልካያ
  • ንሰብ ጸላእቱ፡ ይወጹ ካብ ቤቱ
  • ንሰይጣን ኣይትሃቦ ስልጣን
  • ንስሙ ቤተ ክርስትያን ይሳለሙ
  • ንስኻ እንተ ዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ
  • ንበዓል ጣፍ፡ ይበልጾ በዓል ኣፍ
  • ንበዓል እንጀራኻ ምኸሮ ምኸሮ፡ እንተ ኣበየ መከራ ይምከሮ
  • ንብረት የነባብር፡ ሕጊ የከባብር
  • ንተመን እግር'ብሉ፡ ንዓሻ ልቢ'ብሉ
  • ሓደ ወገን ተዛረቦ፡ ብሓደ ወገን ተላዘቦ
  • ብስምዒ ዝተጣበቐ ስኒ ሓይኽካሉ ኣየድቅቕ፡ ስሒቕካሉ ኣየድምቕ
  • ብሽማግለ ዝተዓርቀ፡ ብስሚንቶ ዝተነድቀ
  • ብልሒ ከም መላጸ፡ ሓይሊ ከም ጻጸ (ይሃብካ)
  • ብልዒ ሓላፊ፡ ሽም ተራፊ
  • ብርስን ሰባሪ ሰበረ ተመራሪ
  • ብርኩታ ከምታ ሓውታ፡ ኣብ ውሽጣ እምኒ'ላታ
  • ብሕማቕ ጓሳ ላም ትውቃዕ፡ ብሕማቕ ዳኛ ቅኑዕ ይርታዕ
  • ብትሕትና ኩሉ ጐይታ፡ ብትዕቢት ኩሉ ኣንታ
  • ብኣፍካ ስሕተት፡ ብእግርኻ ሸተት
  • ብኣፍካ እተምጽኦ ዕዳ፡ ብእግርኻ እትኸዶ ሜዳ (የድክመካ)
  • ብእዋኑ ከይሕሉ፡ ዋይ ኣነ ሸእ! ይብል ይህሉ
  • ብኻራኻ ተመተር፡ ብዝመኸርካዮ ተኸተር
  • ብኽሳዳ ደጊፎም እንተላሃይዋ፡ ዘላ መሲሉዋ
  • ብዒተል ኣይደቀስኩ ብቐታል ዒተል ኣይደቀስኩ በለ
  • ብዓይነይ ኣልቅሲ፡ ብኢደይ ሓብሲ
  • ብዘመነይ ይጥዓሞ ወገነይ
  • ብዘይ ብርኪ ሸዀና፡ ብዘይ ርእሲ ጐተና
  • ብዘይ ማይ ነጐዳ፡ ብዘይ በላዕካዮ ዕዳ
  • ብዘይ ክዳንካ ወለል፡ ብዘይ ጠስምኻ ጸረር
  • ብዘይ ኣፍካ ሓቢ፡ ብዘይ ኢድካ ሓዊ፡ እቲ ኣይመርር፡ እቲ ኣየሕርር
  • ብዙሕ ካብ ምዝራብ፡ ብዙሕ ምሕሳብ
  • ብደዎም ዝዘተዩዎ፡ ብኾፎም ይብትንዎ
  • ብጐራሕ ኣይትገራህ፡ ብዓሻ ኣይትመራሕ
  • በርበረ ባዕልኻ ገዚእካዮ፡ ይልብልበካ
  • በቕሊ መን ኣቦኻ፡ እንተበልዎ፡ ፈረስ ኣኮይ
  • በቕሊ ኣብ መንጎ ኣፍራስ እንተኾነት፡ ፈረስ ዝኾነት ይመስላ
  • በዓለገ ቱፍ እንተበለ፡ ናብ ከብዱ
  • በዓለገ ካብ ዝመኽሮ፡ ወድ ጭዋ ዝሓስቦ ይበልጽ
  • በዝን ኣዋጅ ይእወጅ፡ በትን ዕዳጋ ይብዝበዝ
  • በይኑ ዝበልዕ በይኑ ይመውት
  • ባልደንጓ ከይተሰብረ፡ ሰብ ከተቐብረ ኣይትእመን
  • ባዕሉ ከይዱ ሳምቡእ ዝኸልኡዎ፡ ሰብ ልኢኹ እግሪ ስደዱለይ በለ
  • ባዶን ጸልማትን ሓደ እዮም ብማዕዶ ዝንቁ ከልቢ ኣይነክስን'ዩ
  • ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ
  • ብሽንቲ'ንጭዋ ዝተነድቀ መንደቕ፡ ድሙ ክንቁ ይፈርስ
  • ብኣፍካ ዝወጸ ኣይወጽዕካ፡ ብኽብሪ ኣብያስ ብሕምቢጣጥ
  • ብዕራይ ኣብ ዘበለ እንተ በለ፡ ዕርፊ ኣጽንዕ
  • ተሃዊኾም የፍስስዎ፡ ኮፍ ኢሎም ይሓፍስዎ
  • ተመን ቀጠነ ኢልካ ኣይርገጽ፡ ወዲ ጭዋ ሓመቐ ኢልካ ኣይላገጽ
  • ተሓቢኣ ትጠንሶ፡ ሰብ ኣኪባ ትሓርሶ
  • ተረት፡ ንነገር ይኾኖ መሰረት
  • ተቐሚጥካ ዝሰቐልካዮ፡ ብደውካ ምውራድ ስኢንካዮ
  • ተባዕ ኣይሞተ፡ ፈራህ ኣይሞተ፡ ላንግላንጋ ሞተ
  • ተናገር ዝመሰለ፡ ብላዕ ዝበሰለ
  • ተናጊሩ ኣናገረኒ ዝፈትወኒ ይመስል፡ ከይዱ ተናገረ ዝለኣኽኩዎ ይመስል
  • ነቓሊኻ መርዓ'ሎ፡ ቀዳዊኻ ቀብር'ሎ
  • ተው ወደል፡ ከይትኣቱ ኣብ ገደል
  • ተዓዚቦም ካብ ዝጸልኡኻ፡ ተዓዚቦም ይፍተዉኻ
  • ተግረርዳሪ ጾም ሓዳሪ፡ ቆልማጽ መቃባጠሪ
  • ተፈርደለይ ኢልካ ኣይተንጋሕጥጥ፡ ሃዲሙለይ ኢልካ ኣይተፋጥጥ
  • ተፋትዮም ጓልን ወድን ይዋሃቡ፡ ኣሸበሸብ ኢሎም ዋሕሳት የቕርቡ
  • ታሕሳስ ኣይትቐውዕ፡ ጸማም ኣይትጸውዕ
  • ትሕትና በትሪ የውቅዕ ትሕትና ምጕት የርትዕ
  • ትበልዖ ስኢና ዝቐጠነት፡ ኣነ ቐጣን ኢላ ኣዝመረት
  • ትንዕ ዝበለካ ዳርጋ ዝወቕዓካ
  • ትንቢት ይመርሕ፡ ልጓም ይገርሕ 
  •  ፍልፍመርበብ ሓበሬታ ሰላም