- ልቢ ኣኮስያ ወዲ ሓፍቲ ይፈልጦ
- ሃፂፅካ ፍልሖ እንዳማርያም መኣዝ እ ትበፅሖ
- ሓዱሽ ፍቕሪ መወድኢ እኽሊ
- ሓዱሽ እኽሊ መዐደጊ ኩሕሊ
- ሕሱምያ ቁርስ ምስዘይትፈትዎ የተሓቋቑፍ
- ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣፅንዕ
- ክልተ ዓያሹ ጋዓት ይኮላለሱ
- ምስ ወድ-ሰላሳ ኣይትጒየ፡ ምስ ወድ-ስሳ ኣይትምከር
- ንቈልዓ ስኒ፡ ንሃመማ ቁስሊ፡ ኣይተርኢ
- ወዲ ሓርበኛ ይወግእ፡ ወዲ ኣረጊት የውግዕ
- ዓርኪ ጠቢብ ቈልዓ ይበትኽ፡ ዓርኪ ኣላማይ ዘርኢ ይበትኽ
- ወዲ መበለት፡ ምንጋህ ይፈልጥ ምብታኽ ዘረባ ዘይፈልጥ
- ወዲ መበለት፡ ምኽታር ዘረባ እምበር ምብታሕ ዘረኣባ ኣይፈልጥን
- ተመሊስካ እትረድኦ፡ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ
- ተመን ስፍርኡ ምስ ዝገጊ ይመውት
- ተመጣላዕይ ኣርሓ ኣብ መቐመጭኡ ይውጋእ
- ተማጻራያይ ዝብኢ መዓኮር ምራኽ ይልሕስ
- ተካሊት ዑፍ ክርም ከሪማ ጥቅምቲ ትዓውር
- ተኸዲኑ ዝመጽእ ተቐሊዑ ይብላዕ
- ተኹላ ከመ'ንበሳ ክትንቁ ተሰንጢቓ ሞተት
- ተጐልቢቡ ንዝብልዕ ተጐንቢሕካ እተዎ
- ታሪኽ ምስ ቀዳሞትን ዳሕሮትን የራኽብ (የላሊ)
- ትኽደኖ ዘይብላ ትጉልበቦ ቃሕ ይብላትውሕጦ እንተበልኩስ ትጐስመሉ
- ትሓድጎ እንተበልኩስ ትውስኸሉ
- ትዕቢት መቕድም ውድቀት፡ ትሕትና መቕድም ክብረት
- ትዕግስቲ ርእሲ ሃብቲ፡ ትምህርቲ ናይ ዘለዓለም ርስቲ
- ትኽክል ይግበርኩም ከም ስኒ ኣድጊ፡ ይብል ሕሱም ረጋሚ
- ነቕናቒ ከሎ ተማቲ፡ መን ጽሩይ ማይ ክሰቲ
- ነባጉምባሕ እንተደለዩ ክበልዑዎ፡ ዛግራ ይብሉዎ
- ነዊሕ ኦም እንዳማቱ የጽልል፡ ዓሻ ሰብ ሰቡ የቕልል
- ነዊሕ እንተዘይጕረረ፡ ሓጺር እንተ ዘይፈከረ፡ እቲ ምተደፍረ፡ እቲ ኣይምተሓፍረ
- ነገር ከም መልዓሊኡ፡ ስጋ ከም ጠባሲኡ
- ነገር ዘይጸገበ ጓል ዋጣ/ሓሜን ይሕጸ
- ነገር ብዕርቂ፡ መገዲ ብደርቂ። ነገር ብወግዒ፡ ሓዊ ብገልዒ
- ነገር ንመሃዚኡ፡ ተመን ንተሓዚኡ፡ እሾኽ ንሓጻሪኡ
- ነገር ኣብ ምጅማሩ፡ እኽሊ ኣብ ምዅማሩ
- ነገር ባሕሪ ይገፍሕ ካብ ባሕሪ ነገር
- ነገር የምጽእ፡ ድጕሪ ሓመድ የውጽእ
- ነገር ኣጓዲኣ ትልክም፡ ታኼላ ኣታዊኣ ተስጥም
- ነገር ብወቐሳ፡ በደል ብኻሕሳ እየን ዝዳቐሳ
- ነገር ካብ ድልይልይ፡ ጽንሕ ይሓይሽ እልይ
- ነገር፡ ኣበይ ደሊኻ፡ ኣብ ሃገር
- ነገርካ ዝደለየካ፡ ርእስኻ ይተናኽየካ
- ነጻነት የዅርዕ፡ ስራሕ የብልዕ
- ናቡተ ርስተይ እናበለ ሞተ
- ናቱ ዝበልዕ ዕዳ'ብሉ፡ ዝመሰሎ ዝዛረብ ነውር'ብሉ
- ናየ'ቦኻ የናብረካ፡ ናይ ጓና የናግረካ
- ናየ'ንጭዋ ጻዕረ ሞታ፡ ናይ ድሙ ጸወታ
- ናይ ህበይ ንጉስ፡ ባዕሉ ይኹምር ባዕሉ የፍርስ
- ናይ ልቡ ዝነገርካዮ፡ ዳርጋ ዝሓጐምካዮ
- ናይ ልብኻ እንተ ዘዛርቡኻ፡ ዕዳ ዘይብልካ እንተ ዝሰዱኻ
- ናይ ልቡ ዝገብር፡ ነዲኡ ነይነግር
- ናይ ስጋ መወዳእታ ዓጽሚ፡ ናይ ነገር መወዳእታ ፈጽሚ
- ናይ ቀታል ነብሲ ምልክቱ፡ ደም ኣበ'ጻብዕቱ
- ናይ ኣፍ ኣማኒ፡ ይገብረካ ለማኒ
- ናይ ኣናጹ ዝላ፡ ንደማሙ ጓይላ
- ናይ ዕዳጋ ዕግርግር፡ ንሓድሕድካ የፋግር
- ንሃላይ እንታይ ጸባሕካ ኣይትበሎ፡ ኣብ ክዳኑ ኵለሎ
- ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፡ ንዓሻ ደርጕሓሉ ኣበይ ከይፈልጦ
- ንሌባ እንተበልካዮ ሌባ ሌባ፡ ዝበልካዮ ይመስሎ ሉባ ሉባ
- ንልዕሌኻ ኣኽብሮ፡ ንትሕቴኻ ዘክሮ
- ንመኸታ ዋልታ፡ ንዘረባ ናዕታ፡
- ንምድሪ ኣይህቡላን ስድሪ፡ ንርስቲ ይዋግኣላ'ንስቲ
- ንሞት ፈራህካያ፡ ንምህዳም ፈራህካያ፡ ብምንታይ ደኣ'ሞ ትሓልፍ ኢልካያ
- ንሰብ ጸላእቱ፡ ይወጹ ካብ ቤቱ
- ንሰይጣን ኣይትሃቦ ስልጣን
- ንስሙ ቤተ ክርስትያን ይሳለሙ
- ንስኻ እንተ ዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ
- ንበዓል ጣፍ፡ ይበልጾ በዓል ኣፍ
- ንበዓል እንጀራኻ ምኸሮ ምኸሮ፡ እንተ ኣበየ መከራ ይምከሮ
- ንብረት የነባብር፡ ሕጊ የከባብር
- ንተመን እግር'ብሉ፡ ንዓሻ ልቢ'ብሉ
- ብሓደ ወገን ተዛረቦ፡ ብሓደ ወገን ተላዘቦ
- ብስምዒ ዝተጣበቐ ስኒ ሓይኽካሉ ኣየድቅቕ፡ ስሒቕካሉ ኣየድምቕ
- ብሽማግለ ዝተዓርቀ፡ ብስሚንቶ ዝተነድቀ
- ብልሒ ከም መላጸ፡ ሓይሊ ከም ጻጸ (ይሃብካ)
- ብልዒ ሓላፊ፡ ሽም ተራፊ
- ብርስን ሰባሪ ሰበረ ተመራሪ
- ብርኩታ ከምታ ሓውታ፡ ኣብ ውሽጣ እምኒ'ላታ
- ብሕማቕ ጓሳ ላም ትውቃዕ፡ ብሕማቕ ዳኛ ቅኑዕ ይርታዕ
- ብትሕትና ኩሉ ጐይታ፡ ብትዕቢት ኩሉ ኣንታ
- ብኣፍካ ስሕተት፡ ብእግርኻ ሸተት
- ብኣፍካ እተምጽኦ ዕዳ፡ ብእግርኻ እትኸዶ ሜዳ (የድክመካ)
- ብእዋኑ ከይሕሉ፡ ዋይ ኣነ ሸእ! ይብል ይህሉ
- ብኻራኻ ተመተር፡ ብዝመኸርካዮ ተኸተር
- ብኽሳዳ ደጊፎም እንተላሃይዋ፡ ዘላ መሲሉዋ
- ብዒተል ኣይደቀስኩ ብቐታል ዒተል ኣይደቀስኩ በለ
- ብዓይነይ ኣልቅሲ፡ ብኢደይ ሓብሲ
- ብዘመነይ ይጥዓሞ ወገነይ
- ብዘይ ብርኪ ሸዀና፡ ብዘይ ርእሲ ጐተና
- ብዘይ ማይ ነጐዳ፡ ብዘይ በላዕካዮ ዕዳ
- ብዘይ ክዳንካ ወለል፡ ብዘይ ጠስምኻ ጸረር
- ብዘይ ኣፍካ ሓቢ፡ ብዘይ ኢድካ ሓዊ፡ እቲ ኣይመርር፡ እቲ ኣየሕርር
- ብዙሕ ካብ ምዝራብ፡ ብዙሕ ምሕሳብ
- ብደዎም ዝዘተዩዎ፡ ብኾፎም ይብትንዎ
- ብጐራሕ ኣይትገራህ፡ ብዓሻ ኣይትመራሕ
- በርበረ ባዕልኻ ገዚእካዮ፡ ይልብልበካ
- በቕሊ መን ኣቦኻ፡ እንተበልዎ፡ ፈረስ ኣኮይ
- በቕሊ ኣብ መንጎ ኣፍራስ እንተኾነት፡ ፈረስ ዝኾነት ይመስላ
- በዓለገ ቱፍ እንተበለ፡ ናብ ከብዱ
- በዓለገ ካብ ዝመኽሮ፡ ወድ ጭዋ ዝሓስቦ ይበልጽ
- በዝን ኣዋጅ ይእወጅ፡ በትን ዕዳጋ ይብዝበዝ
- በይኑ ዝበልዕ በይኑ ይመውት
- ባልደንጓ ከይተሰብረ፡ ሰብ ከተቐብረ ኣይትእመን
- ባዕሉ ከይዱ ሳምቡእ ዝኸልኡዎ፡ ሰብ ልኢኹ እግሪ ስደዱለይ በለ
- ባዶን ጸልማትን ሓደ እዮም ብማዕዶ ዝንቁ ከልቢ ኣይነክስን'ዩ
- ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ
- ብሽንቲ'ንጭዋ ዝተነድቀ መንደቕ፡ ድሙ ክንቁ ይፈርስ
- ብኣፍካ ዝወጸ ኣይወጽዕካ፡ ብኽብሪ ኣብያስ ብሕምቢጣጥ
- ብዕራይ ኣብ ዘበለ እንተ በለ፡ ዕርፊ ኣጽንዕ
- ተሃዊኾም የፍስስዎ፡ ኮፍ ኢሎም ይሓፍስዎ
- ተመን ቀጠነ ኢልካ ኣይርገጽ፡ ወዲ ጭዋ ሓመቐ ኢልካ ኣይላገጽ
- ተሓቢኣ ትጠንሶ፡ ሰብ ኣኪባ ትሓርሶ
- ተረት፡ ንነገር ይኾኖ መሰረት
- ተቐሚጥካ ዝሰቐልካዮ፡ ብደውካ ምውራድ ስኢንካዮ
- ተባዕ ኣይሞተ፡ ፈራህ ኣይሞተ፡ ላንግላንጋ ሞተ
- ተናገር ዝመሰለ፡ ብላዕ ዝበሰለ
- ተናጊሩ ኣናገረኒ ዝፈትወኒ ይመስል፡ ከይዱ ተናገረ ዝለኣኽኩዎ ይመስል
- ነቓሊኻ መርዓ'ሎ፡ ቀዳዊኻ ቀብር'ሎ
- ተው ወደል፡ ከይትኣቱ ኣብ ገደል
- ተዓዚቦም ካብ ዝጸልኡኻ፡ ተዓዚቦም ይፍተዉኻ
- ተግረርዳሪ ጾም ሓዳሪ፡ ቆልማጽ መቃባጠሪ
- ተፈርደለይ ኢልካ ኣይተንጋሕጥጥ፡ ሃዲሙለይ ኢልካ ኣይተፋጥጥ
- ተፋትዮም ጓልን ወድን ይዋሃቡ፡ ኣሸበሸብ ኢሎም ዋሕሳት የቕርቡ
- ታሕሳስ ኣይትቐውዕ፡ ጸማም ኣይትጸውዕ
- ትሕትና በትሪ የውቅዕ ትሕትና ምጕት የርትዕ
- ትበልዖ ስኢና ዝቐጠነት፡ ኣነ ቐጣን ኢላ ኣዝመረት
- ትንዕ ዝበለካ ዳርጋ ዝወቕዓካ
- ትንቢት ይመርሕ፡ ልጓም ይገርሕ
- ፍልፍል መርበብ ሓበሬታ ሰላም