ኣበይ ኣላ
እታ መጀመርታይ ፈላመይቲ ዓይነይ
እታ መምህር ፍቅሪ ኣደ ንእስነተይ
እንታይ ጉዱ ሎሚስ ዘይኣመላ ጌራ
ርሒቓ ካብ ዓይነይ ከይዳ ተሰዊራ
ከም ሎሚ ከይኮነ ኣፍቲ ፋልማይ ዘመን
ጎልጎል 'ዳባጎበዝ ከሎ'ኳኒ ወሰን
'ቲ ንራኸበሉ ኣፍቲ ዕሸል ፍቕሪ
ኣለዎ እንድዩ ልበይ ዘይንፅፍ ዝኽሪ
ክንከይድ ቀፂዕና ናፍቲ ለምለም ሳዕሪ
ሓመሳ ክንርኢ ንግድብ ደይብና
ክንጥምት ከተማ ገናሕቲ ሓንኪብና
ኣብ ሞንጎ ክንስሕቕ ማይ ፍቕሪ ክንሰቲ
ቁልቁለት ክንወርድ ክንምለስ ባዕቲ
እቲ ጎልጎል ሜዳ ላዕሊ ናይ ቀንዳዕሮ
መዓል ማናቲለ ፎረፍቲ ተምሃሮ
ክንብል ቡና ሻሂ ወሪድና ሌላና
ክንምለስ ከተማ ዜሮ ኣርባዕት ጌርና
ሕቑፍ ኣቢለያ ሽምጠይ ተጠምጢማ
ሸናዕ ክንብል እወ ኣብ ማእኸል ከተማ
ክሳዕ ላዕሊ ኣጂፕእቲ ሸናዕ ክንብል
'ቲ መቓብር ኣስላም ቶታል ኮላይ ሞቢል
ጎልግጎታ ስዒምና ኣብፂሕና ምስጋና
ቁልቁለት ክንወርድ ንኮምሽን ገፅና
ሎሚ ተቐይሩ ግዜ ምስ ሓለፈ
ትዝታ ናይ ለቢ ኮይኑ ዝተረፈ
ከተማ ኮሊለ ክደልያ ዛፍቕረይ
ኣይቅንዓንን ሎሚስ ረጊመ ዕድለይ
ደሃያ ስኢነ ኣብ ስፍራጀጋኑ
ሓድሽዓዲ የላን 'ት ልበይ ሓዚኑ
ንዌልካም ደይበ ናብ ሜዳዓጋመ
የላን ኢሎምኒ ቀቢፀ ፈፂመ
እንተሰለተኒ ወሪደ ክውከስ
ኣሰራ ግን የለን ዓዴአመተክርስቶስ
ዜሮ ሰለስተ ደልየ ውዒለ ኣለሻ
የላን ኢሎምኒ ወልዋሎ መናፈሻ
ዜሮ ሓደ ከይደ ክሓትት 'ንዳብዙ
ኣይሰመረን ሕልመይ 'ትልበይ ፈዚዙ
ጭዓናዱግ ማይሃም ሑጋ ማይ ጭሩቅሩቅ
ንሕቢ ዋላ የላን ኣበይለ ክጥይቕ
ምፃእወርቂ ላዕሊ ከይደ ጎልጎልነፃ
በይነይ ተመሊሰ ታ ተስፋይ ንቒፃ
'ዳጨርቆስ ዕዳጋ ምስ ዜሮሽዱሽተ
ሓዘነይ ሓዚኖም ምስ ራእዩ ሃውቲተ
መናሃፘ የላን 'ንዳ ሊቀካህናት
ኣግኣዚ ኮሚሽን ዋላ ላዕሊ ብኮት
'ዳኣምነኣረጋዊ ደይበ ክፅሊ
እግረመንገደይ ውን ፅላለይ ክደሊ
ነቤዕ ኣመና ዘኪረ ትቐደም
ቃልኪዳን ክንኣስር ክንብል ከይንጣለም
ክንምሕል 'ትሽዑ እቲ ማሕላ እምነት
ከምሎሚ ከይኮነ ምጥልላም መሬት
ዓጋመ ድለዩ ኣበይ ኣላ ፍቕረይ
ልበይ ተፀገነ ሓውኩም ተመልኣለይ
ካ ፀግዒ ምጉላት ሜዳታት ማይኣብዓ
ንፀግዒ ቤትማርያ ቅመማ ምስ ጎልዓ
ዝርኣየ ተሎ ደሃይ ናይዛ ቆልዓ?
መሩኣቤ
13/12/02
ጅማ
ሓቀየ
ግድን ኣይኮነን ዩ ኣፍቂርኪ ክብል
ተዘይነቅኒቁኒ ናይ ፍቅርኺ ማዕበል
ንምንታይ ክሕስው እንታይ ይኹን ኢለ
ኣብ ማዓሙቅ ልበይ ፍቅሪ ከይበቆለ
እቲ ልበይ ገራህ እቲ ምሩኽ ፍቅሪ
ከመይ ክነግረኪ 'ቲ ናይ ውሽጡ ጋህሪ
ካብ ምግላጽ ሓኢፉ ካብ ምረአይ ብግብሪ
እንታይ ክግብረልኪ በሊ 'ሞ ሓብሪ
እመንኒ ኣይብልን ልሳነይ ደፊረ
ልበይ ብፍቱሑ ከሎ ዘየፍቀረ
እመንኒ ኣይበለን ብሓሶት ደፊረ
ልበይ ብቅሱኑ ከሎ ዘይሓረረ
ሃልሃልታ ናይ ፍቅሪ እቲ ባርዕ ልበይ
ከመይ ክግልጽልኪ እቲ ዛራ ፍቅረይ
እቲ ምምሳነይ ብኮፈይ ምሕዳረይ
እቲ ህውኽ ህውኽ ቅሳነት ምኽሳረይ
እምነ በሓቂ ክኸውን ክኢላ
ልብኺ ዘኽፍት ንኽውንን ሜላ
ኣፍቲ ቆር ልብኺ ኣፍቲ ዙፋን ፍቅሪ
ነጊሰ ክነብር ዘልኣለም ክዛሪ
እምነ ብሓቂ ክኸውን ደራሲ
ክግልጸልኪ ፍቅረይ ተኾንክኒ ፈውሲ
እምነ ዝያዳይ ክኸውን ደፍተራ
ታ ኸውሒ ልብኸ ምስ ልበይ ክኣስራ
ዘይብለይ ፍቅርኺ እመንኒ 'ይብልን
ልበይ ዘይብሃጎ ኣይብልን ክውንን
ንዒ 'ሞ ድራረይ ዑፍ መስቀል ናይ ፍቅሪ
ቀሲነ ክሓድር ኣውጽእኒ ካብ ጻዕሪ።
7/12/02
ምሸት 1;30
መሩኣቤ
ንሕና
ትማሊ
ንሕና ዓወት ንሕና ፅንዓት
ንሕና ሓቦ ንሕና ትብዓት
... ንሕና ፍቅሪ ንህና ስኒት
ንሕና በጃ ንሕና ቕድሚት
...ሎሚ
ንሕና ስራሕ ንሕና ልምዓት
ንሕና ፀጋ ንሕና ጥሪት
ንሕና ሓደ ንሕና እምነት
እወ ንሕና ተጋሩ ማለት::
ለካቲት 11 ንጉሆ
2003
መሩኣቤ
ትማሊ
ብዓቅሊ
ብተስፋ ትዕግስቲ ኢለ ታሕቲ ላዕሊ
ተቃሊሰ ምበሪ ፀገመይ ክኣሊ
ትሕሰም መከራ
...ከም ጨርቂ ክበሊ
መንዶ ኔሩኒ 'ዩ ኣጆኻ በሃሊ?
መሩኣቤ
ሰላም ንዓኺ ይኹን
ሰላም ንዓኺ ይኹን
ኣቲ ባህጊ ዓይነይናተይ ኩርዓት ሓበን
ሰላም ሜዳታትኪ ዝበልኩሉ ታተ
መባእታ ህይወተይ ጐእዞይ ዝኽፈተ
ትዝዓበኹሉ በኽየ ተፃዊተ
ብዙሕ ዘሕለፍናሉ ምስ ዓርኪ መሓዛ
ሓንዳይ ምስ ገበጣ ኢልና ገዛገዛ
ሰላም ኣኽራናትኪ ጠሚተ ዘይፀግቦም
ኣብ ውሽጦም ጀጋኑ ዝሓዙ ሰቲሮም
ኣብ እዋን ወጋሕታ ዘስነቁኒ ተስፋ
ፀሓይ እንትርእያ ኣብ ርእሶም ዓሪፋ
ሰላም እወ ዓደይ ሰላም ኩኒ ሰላም
ልዳተይ እንዲኺ መእተዊ ዛዓለም
ሰላም ንማያትኪ መተርከስ ጎሮሮይ
ካብ ፃም እኣድሒኑ ርውየት ዝዘርኣለይ
ክንደይ ድዩ ሰትይዎ ካብ ፅምኢ ክዕንገል
ክንደይሲ ሓውዩሉ ተሓፂቡ ፀበል
ሰላም ንሓመድኪ እቲ ጥዑም ጨና
ስድሪ ምስ ርሓቕካ ዝህረፍ ኣመና
ቦቂለ ሸዊተ ትዝዓበኹሉ
ፅባሕ ምስ ሓለፍኩ ትዝኽደነሉ
ሰላም ነፍላጋትኪ እግበት ነዛ ነብሰይ
ፍልፍል ፅባቐኺ ዘልብሱኺ ሓምላይ
ሰላም ይኹኑ እወ ምስቲ ልሙዕ ሰውሒ
ዓመታት ይስገሩ መዋእል ክትቀይሒ
ሰላም ንጓሶትኪ ኖሎዎት ናይተን ማል
ፍልፍል ፀባ ጠስሚ ቶ ናይ ሽሻይ ፍልፍል
ፍልፍል ፅጋብ ሃፍቲ ድሙቕ መርዓ ዕልል
ሃገር ሰላም ከሎ ምስ ሙሉእ መኣዲ
ዓይነይ ሃሰስ ይብል ንዓኺ የናዲ
ካባኺ ተፈልየ ከመይ ከ ክኽእሎ
ምስቲ ስእነት ናትኪ ራህራህነት ኣሎ
ምስቲ ጥሙይ ከብዲ ፅጋብ ፍቅርኺ አሎ
ዘይነፅፍ ሓልዮት ስኒት ዝዓሰሎ
ኣነስ ኣይፀግብን ሰላምኪ ሓሊመ
ኣባኺ እንድየ ፈርየ ልግዐኺ ቅሲመ
ኣባኺ ሀሁ 'ለ ህይወተይ ፈሊመ
እሞ ሰላም ኩኒ አቲ ኣደይ ዓጋመ።
መሩኣቤ
12/07/03 ምሸት 12:53
ጅማ
ፍልስፍና ፩
ምዃንኪ ሄዋነይ
ምቃል ፍርቂ ጎነይ
ምዃንኪ ናይ በይነይ
ፍንጫሕ ፀጋም ዓፅመይ
ምዃንኪ ካልአይተይ
ኣምላኽ ዝሰርሓለይ
ክፍልጠኪ ፈልየ
ከረጋግፅ ደልየ
ሃሰስ ኢለ ጎነይ
ቁፅሪ ተን የዕፅምተይ
ቁፅረን ኣይጎደለን
ቁፅረን ኣይዘንበለን
በሊ ሓላለየ
ኣነ 'የ ተጋግየ
ተሃዊኸ 'ምበሪ
ጥሒለ ንናብ ፍቅሪ
ገና 'ያ ሄዋነይ
እታ ምቃል ዓፅመይ
ፈንቂሉ ካብ ጎነይ
ክሳብ ዝሰርሓለይ
ንበል 'ምበር ሰለይ
ኣነ ኣይ ኣዳምክንኣይኮንክን ሄዋነይ።
11/07/03/ ምሸት 1፡35
ጅማ
መሩኣቤ
ፍልስፍና ፪
ፈጣሪን ኣዳምን ኣብ ሓደ እንትነብሩ
ኣዳም በይኑ ኔሩ
ኣምላኽ ብልዕሊኡ ገነት ትሕቲ እግሩ
በይኑ ንብሕቱ ናብራ ዓለም ፄሩ
ነዚ ምስ ረኣይ ሓዚኑሉ ጎይታ
ሄዋን ፈጢሩሉ ክትኮኖ መስታ
ህይወቱ ተመቅር ትውሕዘሉ ባህታ
ሽግሩ ትካፈል ተናግፍ ካብ ዝንታ
ሽዑ ኣዳም ነዚ ኣስተውዒሉ
ከምዚ ኢሉ
ኣዝየ ዘመስግን ምሒር የቀንየለይ
ፈውሲ ፀውታ ኢልካ ሄዋን ሰሪሕኻለይ
ሟሚቁ ህይወተይ መሪቐ ዕድለይ
ግና ሕጉስ ክኾን ክብለካ ምልኣለይ
በጃኻ ባ ሄዋን ክልተ ግበረለይ።
14/07/03 10፡20 ቐትሪ
መሩኣቤ
ጅማ
ከቢድ ዩ
ብርግፅ ቀሊል ዩ ኮፍ ኢልካ ክትሓስቦ
ከቢድ ኣይመስልን ዘለዎ ተዓቦ
ግና ክትፍትኖ ኣብ ተግባር ንምውዓል
ኣመና ኸቢድ ዩ ዘይምኽኣል ንምኽኣል።
18/07/03 ምስያ 12፡17
ጅማ
መሩኣቤ
No comments:
Post a Comment