Wednesday, December 7, 2011

ህይወት

እቲ ነዊሕ ጎቦ
'ቲ ፀንቃቂ ሓቦ
'ቲ ጥቃ ሰማይ
'ቲ መፀገማይ
ይወፆ ኣይበልኩን
ፈቲነ ጥራሕ ግን
ሸዑ ከኣ
እቲ ፅንቁቕ ዓቕሊ ፅንቁቕ ሓቦ ጌረ
ንያተይ ደጊፈ መዓንጣይ ኣሲረ
ወፅየዮ 'ቲ ጎቦ
'ቲ ፀንቃቒ ሓቦ
ሰትየዮ ከምዛማይ
ንሰማይ ከረኸቦ
ግና ሸዑ
እቲ ሰማይ ነበረ ልዕሊኡ
ንላዕሊ ደይቡ ቀይሩ ኣድራሽኡ
ሪአዮ መለሱ ተሰቂሉ ላዕሊ
ጎቦ ተደጊፉ ዳግማይ መሻቐሊ::
10/01/04
2:09 ምሸት

2 comments:

Unknown said...

ክቡር ሓው፡ ገና ሕጂ፡ ንመጀመርታ ግዜ፡ ጽሑፍካ ኣብ ምንባብ ይርከብ፡ ግን ብሓደ ግዜ፡ ፈቴልካ ኣለኹ፡ የቐንየልና ገና ትግርኛ ብዙሕ ዝስርሓሉ ቋንቋ እዩ።

SSelamawit said...

ዋው ደስ በሃሊ